ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላምን ድሕንነትን መናእሰይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ፈንድ ልምዓት ስነ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ዘሰናደኦ እቲ ኮንፈረንስ፥ “መናእሰይ በዓል ዋና ሰላም” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ፣ ተወካሊ ፈንድ ልምዓት ስነ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኮፊ ኮዮሜ፣ ሚኒስትር ዴኤታታት፣ ካብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ተሳቲፎም ኢዮም።
እቲ መድረኽ፥ መናእሰይ ንህንፀት ሃገር ዘለዎም ግደን ሰላም ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ሓሳባት ንምዝታይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።