ሃገር ለኸ ጉባኤ መገዲ ኣብ ጎንደር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ለኸ ጉባኤ መገዲ ኣብ ከተማ ጎንደር ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ከምዝበለኦ÷ ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ንምዃን ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ዓውዲ መገዲ ዕዙዝ ብፅሒት ኣለዎ።

መንግስቲ ንልምዓት ዓውዲ መገዲ ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ምኽንያት ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር÷ ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ ካብ ዝነበሮ 126 ሺሕን ኪሎ ሜትር ልዕሊ 171 ሺሕ ኪሎ ሜትር ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ብብርኪ ፌደራል ብወገን ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ 10 ሺሕን 692 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም 160 ፕሮጀክታት መገዲ ናብ ህንፀት ክኣትዉ ከምዝተገበሩ ዝገለፃፃታን ሚኒስትር÷ 51 ፕሮጀክታት መገዲ ከምዝተዛዘሙ ተዛሪበን፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 ብፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝቐርብ ተሓቢሩ፡፡

ብቤዛዊት ከበደ

Comments (0)
Add Comment