ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዳማ ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዘኽአለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ከተማ ኣዳማ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ስርዓት ኣሰራርሓ መንግስቲ ካብ ምዝማን ሓሊፉ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዘኽአለ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ከምኡ እውን ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ትካላት ሚዲያ ኣብ ከተማ ኣዳማ “ፕሮጀክት ስማርት ኣዳማ” ተዓዚቦም፡፡

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ትኹረት ተዋሂቡዎም እናተሰርሑ ዝርከቡ ኩለመዳይ ልምዓት ኢኒሼቲቫት ዲጂታላይዜሽን እናምፅኡዎ ዝርከቡ ለውጢ ንሕብረተሰብ ኣብ ምግንዛብ ብፅሒት ዓውዲ ኮሙኒኬሽን ልዑል ኢዩ፡፡

ፕሮጀክት ስማርት ኣዳማ ፀገም ፀፅታን ሰናይ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዚዩ ዘመሓየሸ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

እቶም ሓፍቲ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ዝተዓዘቡ እንትኾኑ÷ በዚ ድማ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ፃባ ኣላሕም፣ ዓሳ፣ ምርባሕ ደርሆ፣ ኣትክልቲን ፍረምረን ከምዝተመልከቱ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment