ህዝበ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ብሓድነትን ምርድዳእን ከብዕልዎ ይግባእ – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ህዝበ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ብሓድነትን ምርድዳእን ብሓደ ኾይኖም ከብዕልዎ ከምእግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም፡፡
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት፣ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል፣ ላዕለዋይ ፅሓፊ ካውንስል ኣመንቲ ወንጌል ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ቀሺ ደረጀ ጀንበሩን ፕረዚደንት ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ፖስተር ፃድቁ ኣብዶን ንበዓል ትንሳኤ ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ኣብ መግለፂኦም፤ ዶብ ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዶብ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ንዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ንሙሉእ ኢትዮጵያውያን እንዃዕ ኣብፀሐኹም ኢሎም፡፡
በዓል ትንሳኤ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዝገለፀሉን ትሕትና ዘመሃረሉን እዋን ምዃኑ ብምሕባር÷ እቲ በዓል እንትኽበር ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ክህሉ ብምፅላይን ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል በዓል ትንሳኤ ናይ ትሕትናን ምክብባርን ክብርታትና እነርእየሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ላዕለዋይ ፅሓፊ ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ቀሺ ደረጀ ጀንበሩን በዓል ትንሳኤ ምስ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕላፍ ፍቕሪ ክርስቶስ ምርኣይ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ ንኣመንቲ በዓል ትንሳኤ ንኢትዮጵያዊያን ሓድነትን ዘላቒ ሰላም ፀሎት ብምግባር ከኽብሩ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
Comments (0)
Add Comment