ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ቴክኖሎጂ መሰረት ክገብራ ኣንፈት ተቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበራ ንክኾና ኣንፈት ምቕማጡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣይተ ኮራ ጡሽኔ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፅሬት ትምህርቲ ዝሐለዋ ንክኾና ዘኽእል ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ተዘርጊሖም፡፡

ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን፣ ፅቡቕ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ሓዊሱ ናይ መምህራን ደገፍ፣ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ቤተ መፃሕፍቲ ክህልዎን ትፅቢት ይግበር አሎም።

እተን ትካላት ብዕውት ዝምዕብላሉ ኣብ ቀንዲ መለክዒታት መሰረት ገይረን ክሰርሓ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም።

ውፅኢታዊ  ተግባራት ብምፍፃም መእተዊ ፈተና ዩኒቨርስቲ ብብቕዓት ክሓልፉ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡

እተን ትካላት መውፅኢ ፈተና ምሕላፍ እንተዘይክኢለን ዝግምገማሉን ተሓተትቲ ዝኾናሉን ኣሰራርሓ ምዝርግሑ እውን ኣብሪሆም።

ብዙፋን ካሳሁን

Comments (0)
Add Comment