ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይሊ ምክልኻል ናይጄሪያ ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሜጀር ጄኔራል ዳሂሩ ሳኑሲ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይሊ ምክልኻል ናይጄሪያ ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዑደት ገይሩ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ምምሕዳር ኣስቴር ዳዊት፥ ድሕንነት ሳይበር ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ ትካል ብቴክኖሎጂ፣ ሓይሊ ሰብን ስርዓት ኣሰራርሓን እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲ ዝምልከት ገለፃ ገይረን፡፡

እቶም ልኡኻት ኣብ ዑደቶም÷ ኢትዮጵያ ድሕንነት ሳይበርን ሉኣላዊነታን ንምሕላው ዘኽእል ብቑዕን ዘበናዊን ትካል ክትሃንፅ ምኽኣላ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ጥቡቕ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ከምዝኾናን ኣብ መዳይ ድሕንነት ሳይበር እውን ብሓባር ንምስራሕ ዝኽእላሎም ብዙሓት መገዲታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ትካላት ድሕንነት ሳይበር ሃገራት ኣፍሪካ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባርን ውዳበን ብምፍጣር ኣብ ምርግጋፅ ኣህጉራዊ ድሕነት ሳይበርን ሉኣላዊነትን ክሰርሓ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment