ልኡኽ ቢዝነስ ቻይና ኣብ ዞባ ኢኮኖሚ ቂሊንጦን ቦሌ ለሚን ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣቦ ወንበር ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ መስፋሕፍሒ ንግዲ ቻይና ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቢዝነስ ኣብ ዞባ ኢኮኖሚ ቂሊንጦን ቦሌ ለሚን ዑደት ኣካይዶም፡፡

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ ኣብቲ ዞባ ኢኮኖሚ ዘለው መሰረተ ልምዓታት፣ ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲን ብሓፈሻ ዝስርሑ ዘለው ምንቅስቃሳትን ዝምልከት ገለፃ ተገይሉ፡፡

ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ቻይና እቲ ኮርፖሬሽ ዘመሓድሮም ፍሉያት ዞባ ኢኮኖሚ መዋእለ ነዋዮም ፈሰስ ክገብሩ ስራሕቲታት ምርድዳእን ምፍላጥን ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ኮርፓሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ዘመሓድሮም ፍሉለያት ዞባ ኢኮኖሚን ናፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋን ናብ ስራሕ ብምእታው ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝጀመሩ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ልዑል ቁፅሪ ከምዝሕዙ ካብቲ ኮርፓሬሽን ዝተረከበ ሓበሬታ የመላክት፡፡

Comments (0)
Add Comment