ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን እስያ ተዛትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣኼባ 2025 ዓ.ም.ፈ አይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ጎና ጎኒ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን እስያ ጂን ሊኩን ዘትዮም፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣብቲ እዋን÷ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ዑደት ብምምስጋን ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንምሕጋዝን ትልሚ መሰረተ ልምዓት ንምድጋፍን ቆራፅ ኢያ ምባሎም ኣዘኻኺሮም፡፡

ፕሬዚዳንት ሊኩን ብግዲኦም÷ኢትዮጵያ እናመዝገበቶ ዘላ ዕብየት ኢኮኖሚን መርሃ ግብሪ ሪፎርምን ንኢዶም፡፡

ደገፍ እቲ ባንኪ ብቕልጡፍ ብምትእኽኻብ ምስ ትራንስፖርት ምትሕሓዝ ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ብገንዘብ ብምሕጋዝ ኣብ ሞንጎ እቲ ባንኪን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነት ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕነት በፂሐን፡፡

Comments (0)
Add Comment