ልዕሊ 10 ነጥቢ 3 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ተጉዓዒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 2017/18 ዓ.ም ዘበን ፍርያት እታዎት ዝኸውን ልዕሊ 10 ነጥቢ 3 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምጉዕዓዙ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
ንፍርያት እቲ ዘበን 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ወይ ድማ 24 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ ገዚኡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምእታው ትልሚ ተታሒዙ እናሰርሐ ምዃኑ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡
በዙይ መሰረት ክሳብ 5 ሚያዚያ 2017 ዓ.ም ልዕሊ 10 ሚሊየን 343 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምጉዓዙ ተገሊፁ፡፡
ካብዙይ ውሽጢ ድማ ልዕሊ 8 ነጥቢ 6 ሚሊየን ኩንታል ዝኸውን ኣብ ዶብ ተሳጋሪ ደረቕ ፅዕነት እንትኾን ዝተረፈ ድማ ብባቡር ምጉዕዓዙ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
Comments (0)
Add Comment