ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ፅገናን ሓለዋን ሓድጊ ይውገን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ስራሕቲ ፅገናን ሓለዋን ሓድጊ እናተወገነ ምዃኑ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ሕድሳት ናይ ዝተኸበሩ ሎሬት ዓለም ሜትር ኣርቲስት ኣፈወርቅ ተክሌ መንበሪ ገዛን ስእሊ ይሰርሑሉ ዝነበረ ስቱዲዮን ከምኡ እውን ብሄራዊ ሙዝዬም ኢትዮጵያ ከምዝርከቡዎ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡

ካልኦት ፅገና እናተገበረሎም ዝርከቡ ሓድጊታት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላትን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ከምዝርከቡ ኣብቲ በዓል መዚ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋ ሓድጊን ልምዓትን ሃፍታሙ ኣብርሃ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡

ሕዚ ዝተመደበ 100 ሚሊየን ብር ሓድጊታት ብዝድለ መጠን ንምፅጋን እኹል ከምዘይኮነን ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅሖም ናይ ምስጋር ስራሕ ንምውጋን ዝዓለመ ከምዝኾነን ኣብሪሆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment