ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 4 ሚሊየን 292 ሺሕን 600 ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዘበናዊ ዱኽዒ እናቐፀለ ከምዝኾነ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ወደብ ካብ ሞንጎ ዝበፅሐ ዘበናዊ ዱኽዒ 3 ሚሊየን 45 ሺሕን 252 ኩንታል ናብ ሃገር ተጓዓዒዚ ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣቢሉ ንሓረስቶት እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ 24 ጥሪ ክሳብ 4 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዘለዋ መዓልቲታት ብሓሙሽተ መራኽብ 2 ሚሊየን 775 ሺሕን ኩንታል ተወሳኺ ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሕ ትፅቢት ይግበር ኢሉ።