ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈለለዩ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ጉምሩኽ ልዕሊ 454 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 11 ውልቀ ሰባትን 4 ተሽከርከርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተባሂሉ፡፡
እቲ ኮሚሽን ካብ 14 ክሳብ 20 ሓምለ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ÷ 194 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣተውቲን ልዕሊ 260 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ምሓዙ ገሊፁ፡፡
ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት÷ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ ቀወምቲ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሽሻት፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለ ሃገራት ገንዘባትን ይርከቡዎም፡፡
ብፍተሻ፣ ብበረራን ብሓበሬታን ሕብረተሰብን ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ እውን ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com