ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቐም ንዝፀንሑ ህፃናት ተምሃሮ ግልጋሎት ዝህብ ፕሮጀክት ዕላዊ ምብሳር ተሳሊጡ።
እቲ ፕሮጀክት ምስ ሓሙሽተ ፈፀምቲ ኣካላት ዝስራሕ አንትኸውን፥ ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቐም ንዝፀንሑ ህፃናት ተምሃሮ ግልጋሎት ዝህብን ኢዩ ተባሂሉ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ሴቭ ዘ ችልድረንን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ካብ ኢድኬሽን ካኖት ወይት(ECW) ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ሰለስተ ዓመት ተግባራዊ ዝኸውን ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ትምህርትን ፅሬት ትምህርትን ዘድሀበን ፕሮጀክት ከመዝኾነ ተገሊፁ።
ሐዚ ብዝተፈላለዩ ምግባረ ሰናይ ትካላት ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ዝግበሩ ዘለው ሓገዛት ንህፃናት ልዑል ትርጉም ከም ዘለዎም ተገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር)፥ ኣብ ትምህርቲ ዘጋጠሙ ኩለ መዳይ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኩለ መዳይ ሓገዛት ግደ መዳርግቲ ኣካላት ልዑል ኢዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ገብርዮሃንስ ብግደኦም፥ እቲ ፕሮጀክት ንምስላጥ ልዕሊ 1 ቢልየን ብር ከም ዝተበጀተሉ ሓቢሮም።
ዕላምኡ ድማ ኣብ ኩለ መዳይ መድሕን ህፃናት ብትኹረት ንምስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተመረፃ ሽድሽተ ወረዳታት ተበፃሒ ዝገብርን ምስዚ ጎድና ጎድኒ ድማ ኣብ ሕውየት ተምሃሮን መምህራንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ተወሰኽቲ ድሌት ተምሃሮ ንምምላእ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ብምጥቃም ናብ መእዲ ትምህርቲ ዘይኸተቱ ህፃናት ንክኸቱ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
እዙይ ንምትግባር ብዋናነት ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።