ሎሚ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሽዱሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሽዱሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ሲቲ ሰዓት 9፡30 ከካይዳ ኢየን።

ሰዓት 12፡.00 ድማ፥ ብራይተን ምስ ፉልሃም፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ ኢፕስዊች ታውን፣ ሊቨርፑል ምስ ሳውዝሃምፕተን ክራኸባ ኢየን።

ምሸት ሰዓት 2፡30 ብሬንትፎርድ ምስ ኣስቶንቪላ፣ ሰዓት 5፡00 ዎልቭስ ምስ ኤቨርተን ፀወተአን ከምዝገብራ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።

ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዝተገበሩ ፀወታታት፥ ሊቨርፑል ብ67 ነጥብ ቀዳማይ ብምዃን ነቲ ሊግ ይመርሕ ኣሎ።

ኣርሰናል ብ54 ነጥቢ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ብ48 ነጥቢ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

ኢፕስዊች ታውን፣ ሌስተር ሲቲን ሳውዝሃፕተንን ድማ ኣብ ወራዲ ቀጠና ይርከባ።

Comments (0)
Add Comment