ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምዝገብረሉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ርክብ ዝተፈለየ ትኹረት ከምዝህብ ምክትል ዋና ፀሓፊ እቲ ሕብረት ሳይመን ሞርዱ ኣረጋጊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሳይመን ሞርዱ ተዛዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር በቢእዋኑ ልዝብ ምግባር ጠቓሚ ከምዝኾነ ዝሓሩ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ዞባዊን ከባቢያዊን ጉዳያት ጢቶም ገለፃ ገይሮም።

ኢትዮጵያን እቲ ሕብረትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ዝተፈራረመኦ ኩለመዳይ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ሳይመን ሞርዱ ብግደኦም፤ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ከጠናኽር ከምዝደሊ ኣረጋጊፆም፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ምትሕብባር ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ፈጠራ ስራሕን ኢንቨስትመንት ዝገብሮ ምትሕብባር ካብ ክልተኣዊ ርክብ ሓሊፉ ዞባዊ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ድማ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምዝህብ ምግላፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment