ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይተይ ሕቶ እውን ኢዩ ዝብል ትውልዲ ክፍጠር ከምዘለዎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ ባሕሪ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝግደፍ ስለዘይኮነ ናይተይ ሕቶ እውን ኢዩ ዝብል ትውልዲን መተኣኻኸቢ ያታን ምፍጣር ከምዝግባእ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ዘዘራረቦም ምሁራን ኣገንዚቦም፡፡

ነዚ ድማ ኣብቲ ጉዳይ መተኣኻኸቢ ያታ ምድጣር ከምዝግባእ ዝገለፁ በዓል ሞያ ዓለም ለኸ ርክብን ዲፕሎማሲን ጥላሁን ሊበን፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይተይ ሕቶ እውን ኢዩ ዝብል ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ንምፍጣር ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋቼሞ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ብሩክ ጳውሎስ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ማይ ዓንቀፅ 125 ብምፅራሕ ሕቶ በሪ ባሕሪ ዝተዛዘመ ጉዳይ ከምዘይኮነ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ዝተገለለሉ መገዲ ምልስ ኢልካ ምርኣይን ምስ ዓለም ለኸ ሕጊታት በሪ ባሕሪ ምምስኻር ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment