ሕድሳት “ጁገል ግንብ” ነቲ ታሪካዊ ቅርሲ ብዝበለፀ ፅባቐ ከምዝፈጠረሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕድሳት “ጁገል ግንብ” ነቲ ታሪካዊ ቅርሲ ብዝበለፀ ፅባቐ ከምዝፈጠረሉ ነበርቲ ከተማ ሃረር ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ “ጁገል ግንብ” ሕድሳት ከይተገበረሉ ቡዙሕ ዓማውቲ ዝለዘቑፀረ ፅባቐኡ ፈዚዙ ነይሩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ሃገራዊ ለውጢ ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ ፅባሕ ነዚ ታሪካዊ ቅርሲ ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ንክሕደስን ብዝበለፀ ንክለምዕን ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

ሕድሳት “ጁገል ግንብ” ነቲ ታሪካዊ ቅርሲ ብዝበለፀ ፅባቐ ንክፈጥረሉ ብምግባሩ ብዙሓት ሃወፅቲ ንምስሓብ ዕድል ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ሃረሪ ተወለዳ ኣብዶሽ፥ ንምሕዳስ ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ስጉምቲ ልዕሊ 6 ሺሕን 100 ስኩዌር ሜትሮ ቦታ ሓምለዋይ ንክኸውን ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብታምራት ደለሊ

Comments (0)
Add Comment