መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እቶት ዓውዲ መዓድን ከምዘዕበዮ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዓውዲ መዓድን ፍሉይ ትኹረት ብመሃቡ እቶት እቲ ዓውዲ ከምዘዕበዮ በዓል መዚ ልምዓት መዓድን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ነመራ ገበየሁ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፁዎ÷ አብቲ ዓውዲ ዝነበሩ ፀገማት ብምፍታሕ ፅቡቕ ውፅኢት ይርከብ ኣሎ፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት ሽዱሽተ ኣዋርሕ 3 ሺሕን 929 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ዝተለኣኸ እንትኸውን÷ ልዕሊ 385 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እውን ተዛሪቦም፡፡

ዕድጊት መዓድን ብምምሕያሽ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ እውን ልዕሊ 1 ቢሊየን ከምዝተረኸበ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት እምኒ ፈሓም ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምትካእ ልዕሊ 26 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ከምኡ እውን ልዕሊ 47 ሺሕ ንዝኾኑ ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም፡፡

ብማርታ ጌታቸው

Comments (0)
Add Comment