ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተኸቢሩ።
ፕሬዚዳንት ኢፌዴሪ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ ወጋሕታ ኣብ እግሪ ሓወልቲ ዳግማዊ ምኒልክ ከምኡ እውን ኣብ ዝኽሪ ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም፡፡
እቲ በዓል ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እንትኽበር÷ እቶም ፕሬዚዳንት ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤታት ኣቢያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ፌደሬሽንን፣ ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል መኮንናት ከምኡ እውን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተረኺቦም፡፡
ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓወት መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ከምዝኾነ ኣብቲ ክብረ በዓል ዝተሓበረ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያውያን ነቲ ዓወት መሰረት ዝነበረ ሓድነትን ናፅነትን ብምውራስ ብልምዓት ክደግሙ ከምዝግባእ ተሓሮም፡፡
እቲ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ኣቢያተ ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ነቲ በዓል ብዝዝክሩ ዝተፈላለዩ ኩነት ተኸቢሩ ውዒሉ፡፡