ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ኣብያ ፅሕፈት ቆንስላን ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣልሎ።
ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ከምእውን ጅቡቲ እቱ በዓል ካብ መንጎ ዝኽበረለን ዘሎ ኤምባሲታት ተረቋሕቲ ኢየን።
ኣብተን ኤምባሲታት ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማታትን ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣብዝተረኸብሉ ነቲ በዓል ብዝዝክሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣልሎ።
እቲ በዓል “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።