መተግበሪ ፋይዳ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ መርሃ ግብሪ መለለዪ ማንነት ኣገልግሎት ፋይዳ ጠቕሊሉ ዝሓዘ መተግበሪ ፋይዳ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ መተግበሪ ብሞያተኛታት እቲ ትካል ክምዕብል ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብኣንድሮይድን ኣይ ኦ ኤስን ኦፕሬቲንግ ሲስተማት ሎሚ ንዜጋታት ዕላዊ ኮይኑ።

ኣማኻሪ ስትራቴጂክ ኮሙኒኬሽን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ ማንነት ኣቤኔዘር ፈለቀ፥ ዕላዊ ዝተገበረ እቲ መተግበሪ ዝተፈላለዩ ፈተነታትን መረጋገፂ ድሕንነትን ዝተገበርሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ መተግበሪ ሞባይል ህዝቢ ካብ ዝረኽቦ ኣገልግሎታት መለለዪ ማንነት ዲጂታል ፋይዳ ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍን ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ንምጥቃም ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment