ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 26 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻል ንኣዳማ ከተማ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡
ክልቲአን ሸቶታት መቻል ሽመልስ በቀለ ኣመዝጊቡወን።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ መቻል ብ38 ነጥቢ 3ይ ደረጃ እንትትሕዝ፤ ኣዳማ ከተማ ድማ ብ21 ነጥቢ ኣብ መበል 16 ደረጃ ትርከብ፡፡
መበል 26 ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቀፂሎም ዝካየዱ እንትኾኑ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ፋሲል ከነማ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ክራኸባ ኢየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ባህርዳር ከተማ ምስ መቐለ 70 እንደርታ ዘራኽብ ፀወታ ምሸት ሰዓት 12 ክካየድ ኢዩ።