መንግስቲ ኣብ ፈጠራን ክእለትን ፍሉይ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ኣብ ፈጠራን ክእለትን ፍሉይ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

ትምህርቲ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ሚኒስተራት ስራሕን ክእለትን ምስ ኣፍሪካ ብሬይንስ ብምትሕብባበር ዘሰናድእዎ ጉባኤ ኢኖቬሽን አፍሪካ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት እቲ ዓውዲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት መሓዙት ትምህርቲን ኣብ ውልቀ ሴክተር ኢንቨስተራትን ይሳተፉ ኣለው፡፡

እቲ ጉበኤ ብመደረ ዝኸፈቱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ቀፃሊ ወለዶ ንምህናፅ ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂን ክእለትን ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርትን ክእለትን ማእኸል ብምግባር ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ምምሕያሽ መሰረተ ልምዓትን፣ ህንፀት ዲጂታል ኔትወርክ ከምኡ እውን ኣብ ፈጠራን ክእለትን ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣመላኺቶም፡፡

ሚኒስተር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ብግዲኦም÷ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት ዓለም ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ንመፃኢ ወለዶን መንእሰያትን ብትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂን ክእለትን ምድላው ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ እቲ ጉባኤ ብትምህርቲ፣ አይሲቲን ክእለትን ዝተትሓዙ ወሰንቲ ኣጀንዳታት ቀሪቦም ዘተ ከምዝግበረሎም ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment