ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ታምራት ኣለሙ ዝሰርሓ እዛ ማሽን ዝተፈላለዩ ዝራእቲ ንምዝባጥን ንምጭጫፍን ትውዕል ኢያ።
እታ ማሽን ዝራእቲ ኣገዳ ብርዒን ብዝግባእ ንምዝባጥ ከምተገልግል ታምራት ኣለሙ ገሊፁ፡፡
እታ ማሽን ወፃኢ ቆጣቢትን ፀገም ፈታሒትን ካብ ምዃና ብተወሳኺ ንኡሽቶይ ሕርሻ ንዘለዎም ሓረስቶት ኣገልግሎት ከምትህብ እውን ተዛሪቡ፡፡
ትሑት ፍርያት ኣብ ንኡሽተይ ሕርሻ ቦታ ዘፍርዩ ሓረስቶ ካብ ወፃኢ ማሽን ከእትው ስለዘይኽእሉ ክሳብ ሕዚ ብኢድን ብእንስሳን እናዘበጠ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እዛ ማሽን ብዝለዓለ ኩነታት ከምትሕግዞ ኣይተ ታምራት ኣረጋጊፁ፡፡
እታ ማሽን ባዕላ ካብ ምዝባጥ ሓሊፋ ይ ባዕላ መንፊት ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ጣፍ፣ ሩዝ፣ ስርናይ፣ ስገም ሓዊሱ ካእቶ ሳዕሪ ዘለዎምን ከም ዕፉን ዝበሉ ኣገዳ ዘለዎምን ዝራእቲ ንምዝባጥ ከምተገልግል ኣብሪሆም፡፡
ዝራእቲ ኣብ ምዝባጥ ሓሰር፣ ድፋጫን ኣድለይቲ ዘይኮኑ ሓሰር መሰርን ካብ ምህርቲ ብምፍላይ ናብ ቤት ጥሕኖ ብቐጥታ ዝውዕል ፀሩይ ፍርያት ከምትህብ ኣብሪሁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እታ ማሽን ብዲናሞን ብጄኔሬተርን ክትሰርሕ ትኽእል ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ተፈቲሓ ወይ እውን ከምዘለቶ ብቐሊሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ይከኣል፡፡
እዛ ማሽን ብኽራይ ይኹን ብመሸጣ ናብ ዕዳጋ ብስፍሓት ንምእታው ከምዝሓሰበ ብምሕባር፤ ሙሉእ ውሕስና ከምዘለዋ ገሊፁ፡፡
ብአቤል ንዋይ