መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕድጊት ኣውሮፕላማትን መባፅሕቲ ኣብ ምድንፋዕን ዝተቐመጡ ሸቶታት ምዕዋቱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕድጊት ኣውሮፕላማትን መባፅሕቲ ኣብ ምድንፋዕን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ዝተቐመጡ ሸቶታት ከዕውት ከምዝኸኣለ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ እቲ መገዲ ኣየር ገሊፆም፡፡

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምስ ቢቢሲ “ፎከስ ኣፍሪካ” ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት እቲ መገዲ ኣየር ምስ ኩባንያ ቦይንግ ዘለዎ ጥንኩር ርክብ ብምልዓል÷ ኣብ ቀረባ እዋን 67 ኣውሮፕላናት ከምዝተኣዘዙን ዝተመረፁ ክፍሊታት ኣውሮፕላን ንቦይንግ ኣብ ኢትዮጵያ እናፈረዩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ወሰኽ ዋጋ ትኬት ብዝምልከት ሕቶ ቀሪቡሎም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ልዑል ክፍሊት ትሕዝቶ መሬት፣ ናይ ነዳዲ ወፃኢታት ኣብ ኣፍሪካ ምስ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣውሮፓን እስያን እንትነፃፀሩ ኣዚዮም ክባራት ብምዃኖም ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ግብሪ ኣብ ዋጋ ትራንስፖርት ኣውሮፕላን ኣህጉር ክብ ንኽብል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ገሊፀን፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን መገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ ሓዱሽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ኣብ ምድላው ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ከይዲ ህንፀቱ ክልተ ምዕራፋት ከምዝህልዉዎ ብምግላፅ÷ 60 ሚሊየን መገደኛታት ዘተኣናግድ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2029 ከምዝዛዘም ኣፍሊጦም፡፡

ህንፀት እቲ ሓዱሽ ፕሮጀክት ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ዘለዉ ተለዓልቲ ሓረስቶትን ማሕበረሰብን ናብራኦም ክቕፅል ንምግባር ዝሕግዙ መንበሪ ኣባይቲ፣ ሓደሽቲ ህንፃታት፣ ማእኸላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ማእኸላት ንግዲ ኣብ ምህናፅ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡

ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኹርናዕ እቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከምዝካየድ እውን ኣመልኪቶም።

ብሄለን ታደሰ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment