ሚኒስቴር ትምህርቲ፥ ንብርቱካን ተመስገን ከበደ ዝጠመተ መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሚኒስቴር ትምህርቲ፥ ብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ መዘራረቢ ዝኾነት ብርቱካን ተመስገን ከበደ ኩነታት ትምህርታ ዝጠመተ መብርሂ ሂቡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ብርቱካን ተመስገን ከበደ ኣብ 2012 ዓ.ም 12 ክፍሊ ከምዝነበረት ገሊፁ።

ይኹን እንበር ኣብቲ እዋን ብምኽኒያት ዘጋጠመ ዓለም ለኸ ለበዳ ኮቪድ 19፥ ካብ 29 የካቲት ክሳብ 02 መጋቢት 2013 ዓ.ም ብሄራዊ ፈተና ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሩ።

እታ ተምሃሪት ኣብቲ እዋን ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፣ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሞጣ ፈተና ወሲዳ 392 ውፅኢት ብምምፃእ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ዩንቨርስቲ ሃረማያ ከምዝተመደበት እውን ኣብሪሁ።

ይኹን እንበር ናብ ዝተመደበትሉ ዩንቨርስቲ ዘይከደትን ዘይተመዝገበትን እንትትከውን፥ ናብ ከተማ ሃዋሳ ብምኻድ ብተኸታታሊ ፕሮግራም ትምህርቲ  (ኤክስቴንሽን) ተመዝጊባ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ “ኣካውንቲንግን ፋይናንስን”  ኣብ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ካብ ግቢ ወፃእ ብምዃን ፕሮግራም ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርታ እናተኸታተለት ዝነበረትን ትምህርታ ከይከንበተት ዘቋረፀትን ከምዝኾነት ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ብምርቋሕ ገሊፁ።

ብተፃራሪ ኣብ ፈነወ ኢ.ቢ.ኤስ. ቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ፕሮግራም እታ ውልቀ ሰብ ኣብ ዩንቨርስቲ ሃሮማያ ተመዲባ ናብ ሃሮማያ ኣብ ምጉዓዝ እንተላ ኣብ ኣውቶብስ ምስ ዝረኸበታ ኣብ ደምቢደሎ ዩኒቨርስቲ ተመዲባ እትጓዓዝ ዝነበረት ካሊእ ተምሃሪት ብምዝርራብ ናብ ዩኒቨርስቲ ሃሮማያ ዝነበራ ጉዕዞ ብምስራዝ ናብ ዩኒቨርስቲ ደምቢደሎ ብምኻድ ንምምሃር ተመዝጊበ ምባላ ካብ ሓቂን ኣሰራርሓን ወፃእ ዝኾነ ብፍፁም ናብ ዩኒቨርስቲ ደምቢደሎ ዘይከደትን ምዝገባ እውን ዘይገበረትን ከምዝኾነት እቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዝገልፅ ኣረጋጊፁ።

በዚ ኣጋጣሚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምድባ ሓዱሽ ተምሃሪ ዝካየድ ብሚኒስቴር ትምህርቲ ጥራሕ እንበር ብብርኪ ዩንቨርስቲ ዘይፍቀድ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ዘለዉ መረዳእታታት ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ዘሎ ሓቂ ወፃእ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ነዚ ዘረጋግፁ መረዳእታታት ምስዚ መብርሂ ብመልክዕ ስእሊ ተተሓሒዙ ኣሎ።
  2. እቲ ዝተሰሓሓተ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ኣብ ውሱናት ዩንቨርስቲታት ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስራሕ ንምትእጉጓል ዝተፈላለዩ ፈተነታት ከምዝተገበሩ ገሊፁ። ከምዝፍለጥ ናይ ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ ናይ ምምሃር ምስትምሃር፣ ስራሕቲ ምርምርን ኣገልግሎት ማሕበረሰብን ዝካየደሎም፣ ፍልጠትን ሓቂን ዝሰርፀሎም ብፍልጠትን ሓቂን ዝምርሑ ዓለም ለኸ ትካላት ከምዝኾኑ ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ።
  3. ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ሰርቪስ (EBS) ቅድመ ሐዚ ከምዝገብሮ ከም ዝኾነ ይኹን ሚዲያ እቲ ጉዳይ ቅድሚ ምውዝዑ ካብቶም ዩንቨርስቲታት ወይ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከፃሪ እናተገበኦ እዚ ከይገበረ ብቐጥታ ነቲ ሓበሬታ ምውዝዑ ንህዝቢ ካብ ምስሕሓት ብተወሳኺ ናይተን ዩንቨርስቲታት ገፅታ ኣብ ምብልሻውን ምጥፋእን ልዑል ጉድኣት ዘብፀሐ ስለዝኾነ ሓላፍነት ክወስድ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ምህዞን ስኑዕ ምውዳድን መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝግበር ናይ ምምሃር ምስትምሃር ከምኡውን ናይ ምርምር ስራሕቲ ክህውኹ ዝኽእሉ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓሳትን ተግባርን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሎምን ዳነ ተባሂሉ ኣብ ዝፍፅሙን ደፋእቲን ኣካላት ልዑል ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ካብኡ ሕልፍ ኢሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ናውቲ እተን ትካላት ይኹን ሰብ ንዝበፅሕ ሓደጋን ጉድኣትን ሕጋዊ ስጉምቲ ዝውሰድ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ማሕበረሰብ እቲ ዩንቨርስቲን ከባቢኡን ከምኡውን ተምሃሮ፥ ዩንቨርስቲታት ዝተጣየሻሉ መሰረታዊ ልኡኽ ብምግንዛብ ድሕንነትን ቀፃልነትን እተን ትካላት ንምርግጋፅ ግቡእ ሓለዋ ንክገብሩ ሓደራ ኢሉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment