ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ኣሲስት ኢንተርናሽናልን ሪች ኣናዘር ፋውንዴሽንን ካብ ዝተብሉ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ልዕሊ 4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ተረኪቡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕባ ፍሬህይወት ኣበበ ኣብ እዋን እቲ ርኽክብ÷ ካብ ምክልኻል ሕማም ሓሊፉ ሓኪምካ ኣብ ምድሓን ዝህልዎ ዓቕሚ ንምዕባይ ምስ መሓዙት ትካላት ብቐረባ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣሲስት ኢንተርናሽናል ቀረብ ኦክሲጅንን ኣብቲ ዓውዲ ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ ስልጠና ኣብ ምሃብን ሓገዝ እናበረ ምፅንሑ ተዛሪቦም።
ኣሲስት ኢንተርናሽናል ዘበርከቶ ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ንሸሞንተ ሆስፒታላት ዝውዕል መሳርሒ ፁኑዕ ሕሙማት ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ዝተረፈ ሓገዝ ድማ ብሪች ኣናዘር ፋውንዴሽን ዝተገበረ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ድማ ንመጥባሕቲ ሕክምና ሓንጎልን ነርቭን ዝሕግዝ ዘበናዊ ማይክሮስኮፕ ከምዝኾነ ሓቢረን።