ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ዓብዪ ዕድል ዝከፈተ እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ዓብዪ ዕድል ዝከፈተ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኦም÷ ሎሚ ኣብ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ተረኺቦም ስራሕቲ ምንቅስቓስ እቲ ኮሚሽን ምዕዛቦም ኣፍሊጦም፡፡
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፊ ናይ ለውጢ ዓመታት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ነቲ ዓውዲ ዘመሓየሹ ተግባራት ሪፎርም ምኽያዶም ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽን ዓለምለኻዊ ደረጃታት ዘማልእን ዘበናዊ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተልን ስርዓት ግልጋሎት ተግባራዊ ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment