ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምምሕዳር ገበን ፍትሒ ውፅኢታዊነት ንምዕባይ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምጉልባት ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስቴር ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሰ ምስ ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ምምሕዳር ገበን ፍትሒ ውፅኢታዊነት ንምዕባይ ኣብ ዝክኣሉሎም ጉዳያት ዘትን፡፡
ኣብቲ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ሓበራዊ ተግባራት ምርመራ ገበን፣ ክሲን ክርክርን ዘጥፍኡ ተሓተትቲ ኣብ ምግባር ዕዉት ውፅኢት ምርካቡ ገሊፀን፡፡
ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተርኣዩ ጥንካረታት ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ውስንነት ብምትራፍ ጠንካራ ስርዓት ምምሕዳር ገበን ፍትሒ ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግበባእ ተሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ዘተ ኣመራርሓ እቲ ትካላት ከምዝተረኸቡ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡