ምጥፋእ ብዝሃ ህይወትን ምዕራቕ መሬትን ብምውጋእ ተፈጥሮ ንምሕላው ስጉምቲታት ክውሰዱ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምጥፋእ ብዝሃ ህይወትን ምዕራቕ መሬትን ብምውጋእ ተፈጥሮ ንምሕላው ቅልጡፍ ስጉምቲታት ክውሰዱ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “ዘላቂን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ሓምለዋይ ስግግር” ብዝብል ጭብጢ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ቬይትናም ፒ4ጂ 2025፤ ሓለዋይ ንብረት ኣየር ንምስጓም ኣድለይቲ ዝኾኑ አስፈላጊ ዝኾኑ ሰለስተ ወሰንቲ ናይ ተግባር ነጥቢታት ኣፅንኦት ብመሃብ ገሊፀ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሓለዋ ንብረት ኣየር ንምግባር ቀረብ ገንዘብ ልዕሊ ኩሉ ቅድሚት ብመሃብ እኹል፣ ተገማቲን ዘላቒን ኣብ ዝኾኑ ፍልፍላት ምርግጋፅ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ካልኣይ ዘላቒ ልምዓት ንምድጋፍን ወሳኒ ስነ ምህዳር ኣህጉር ኣፍሪካ ሓለዋ ንምግባር ኣብ ሽፋን ፍልፍል ሓይሊ ኢንቬስትመንት ዓለም ብፅሒት ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዎ ክልተ ሚኢታዊ ኣብ 2030 ናብ 20 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሳልሳይ ነጥቦም÷ ምጥፋእ ብዝሃ ህይወትን ናይ ምድሪ ምዕራቕን ብምውጋእ ተፈጥሮ ንምሕላው ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

“እዚ ድማ ከም ሓምለዋይ ኣሰር ዝበሉ ህዝባዊ ስራሕቲ ብገንዘብ ምድጋፍን በዚ ድማ ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ካብኣድልዎ ዝነፅሀን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ምርግጋፅ ዘካትት ኢዩ” ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment