ሪፎርምታት ተመራፂ መብፅሒ ኢንቨስመንት ኢትዮጵያ ክብ ክብል ምግባሮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ ዝተገበሩ ሪፎርምታት ተመራፂ መብፅሒ ኢንቨስመንት ኢትዮጵያ ክብ ክብል ምግባሮም ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዘለቀ ተመስገን(ዶ/ር) ብኣሰናዳእነት ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬተሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝቐርብ “ኢትዮጵያ ኢን ፎከስ” ኣብ ዝተብሃለ ፕሮግራም ፃንሒት ገይሮም።

እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምቹውነት ስራሕቲ ንግዲ ንምምሕያሽን ምቹእ ኩነታት ኢንቨስትመንት ንምፍጣርን ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ሪፎርም ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)፥ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብቐንዱ ምስሓብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ጠመተ ብምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ዝተፈላለዩ ሪፎርምታት ይትግብር ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅኡ ኣብ ሓደ መስኮት ኣገልግሎት ኩሉ ጉዳዮም ከምዝውድኡን ምቹች ኩነታት ኢንፈስትመንት ምፍጣሩን ሓቢሮም።

ሰብ ሃፍቲ ናይ ባንኪ፣ ቪዛ ኢንቨስትመንት፣ ፍቓድ ምርካብን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ኣብ ሓደ ቦታ ምርካቦም ስሉጥ እንግዶት ንምሃብ ምኽኣሉ እወን እቶም ኮሚሽነት ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ 2018 ዓ.ም.ፈ ፕሮጀክት መመሓየሺ ምቹእነት ስራሕ ንግዲ ዕላዊ ገይሮም ኢዮም።

በቲ ፕሮጀክት ካብ መንጎ ዝተረብሑ 100 ዓይነታት ሪፎርም መንግስቲ ልዕሊ 80 ዝኾኑ ምትግባሩ ሓቢሮም።

ናይ ኢንቨስትመንት ፍቓድ ኣወሃህባ መመሓየሺ፣ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስፋሕ፣ ማዕቐፋት ሕጊ ምምሕያሽን ንስራሕቲ ንግዲ መሓንቕ ዝኾኑ ኣሰራርሓታት ምትራፍን ብዙሓት ሪፎርምታት ከምዝተገበሩ ኣብሪሆም።

እቲ ሪፎርም ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹእ ኩነታት ኢንቨስትመንት ንምፍጣር ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርእይ ኢዩ አውን ኢሎም።

ቀረብ መሬትን መሰረተ ልምዓትን ሓዊሱ እቶም ሰብ ሃፍቲ ዘልዕልዎም ሕቶታት ኣፅጋቢ ምላሽ ምሃብ ከምዝተኽኣለ እወን ገሊፆም።

ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኢነርጂ፣ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ቱሪዝም ኢንቨስተራትን ብስፍሓት ካብ ዝተዋፈሩ ዓውዲታት ተረቋሕቲ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

Comments (0)
Add Comment