ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማሕለኻታትን ፀገማትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ኣመልኪቶም ምስ ኣማራርሓን ተወከልትን እቲ ማሕበረሰብ ተዛቲዮም።
ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘለውዎም ቁልፊ ፀገማትን ማሕለኻታትን ዘቕረቡ እንትኾኑ÷ ብቐንዱ ድማ እቶም ፀገማት ምስ መስርሕን መሸጥን፣ ምስ ግልጋሎት ልቃሕ ባንክታት፣ ኣብ ማሕበረሰብ ንግዲ ብዛዕባ ዝፍጠሩ ፀገማትን፣ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘለዉ ፀገማትን ዘሎ ሕፅረት ነዳድን ትኹት ዝገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ርእሰ ምምሕዳር ታደሰ ወረደ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ÷ ኣብቲ ማሕረሰብ ንግዲ ዘለው ማሕንቆታትን ፀገማትን ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀዳምነት ኣብ ወሃቦም ጉዳያት ብልዑል ቆላሕታ ከምዝስራሕ ገሊፆም።