ሰላምን ፀጥታን ንምዝራግ ዝፍትኑ አካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ – ዶክተር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ሻዕብያ ርክብ ብምፍጣር ሰላምን ፀጥታን ንምዝራግ ዝፍትኑ አካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእን ነዚ ድማ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ንኽዋፃእን ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶር) ኣገንዚቦም።

ለካቲት 11 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈለላዩ ምድላዋት በቢዓመቱ ከምዝኽበር ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ዶክተር ኣብርሃም በላይን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ምምሕልለላፎም ይዝከር።

ይኹን ዳአምበር ነዚ ሰናይ ትምኒት ስዒቡ ንዝቐረቡ ኣሉታዊ ሪኢቶታት ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፤ “11 ለካቲት ብቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክልላዊ በዓል ኮይኑ ብኣዋጅ ዝፀደቐ ህዝባዊን ሕጋዊን በዓል ስለዝኾነ ነዚ ሰናይ ትምኒትካ ምግላፅ ማለት ንህዝቢ ዘለካ ክብሪ ዘርኢ መልእኽቲ እዩ ክብሉ አስሚሮምሉ።

ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ውፅኢት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኮይኑ ብሕግን ስርዓትን እታ ሃገር ዝተጣየሸ ትካል ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ነዚ ምምሕዳር ንምድኻምን ንምፍራስን ዝግበር ፃዕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምፍራስ ማለት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ፀገማት ፀጥታ ከምዘለዉን ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ምስ ሻዕብያ ዝግበሩ ርክባት ከምዘለዉ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ይግለፁ እዮም ዝበሉ አብርሃም በላይ (ዶ/ር)÷ “ምስ ሻዕብያ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ርክብ ንልምዓትን ሰላምን ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ” ኢሎም።

ብተወሳኺ እውን ሻዕብያ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝረኸቦ ሰላም ዝኾረየን ኣብ ትግራይ ዝህሉ ዓቕሚ ከም ፀላኢ ዝርኢን ሓይሊ ከምዝኾነን ብምሕባር መጣፍእቲ ምእላሽ ምዃኑ ኣብሪሆም።

“ኣብ ትግራይ ምስ ሻዕብያ ርክብ ንምፍጣር ዝፅዕሩ ሓይልታት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እዞም ኣካላት ካብ ሓሳቦም ንክቑጠቡን ኢዶም ንክእርንቡን ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ” ክብሉ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment