ሰብሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ፃውዒት ቐሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መልህቕ ሰብሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ፃውዒት ቐሪቡ፡፡

ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዳስትሪን ስያልኮት ፓኪስታን ኣብ ዘዳለዎ ቢዝነስ ፎረም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ “ኢንቨስት ኢትዮጵያ” ብላዕለዋይ ብርኪ ቢዝነስ ፎረምን ኢግዚብሽን ፓኪስታንን ሰብሃፍቲ ክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ንግድን ኢንቨስትምንትን ንምጥንኻር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዘካይዶም ተግባራት ኢንዱስትሪታት ሲያልኮት ጠመተ ዝህብ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግዲ ስያልኮት ኢክራም ኧል ሀቅ ብግዲአን÷ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ዝካይዶም ዘሎ ምንቅስቓሳት ንኢዶም፡፡

ኣባላት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፍሉይ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምፍታሽ ኣብ ዝካየዱ ምርኢታት ንግዲ ክሳተፉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፍሉይ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምፍታሽ ኣብ ዝካየዱ ምርኢታት ንግዲ ክሳተፉ ኣተሓሳሲቦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment