ስነ ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ስነ ስርዓት ቀብሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ኣብ ሮም ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ሳንታ ማሪያ ማጆሬ ተፈፂሙ፡፡

ኣብ አደባባይ ቫቲካን ቅዱስ ጴጥሮስ እናተካየደ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ምስናይ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ምዕዳሞም ተሓቢሩ፡፡

ካብ መራሕቲ ሃገራት ብተወሳኺ መራሕቲን ኣቦታት ሃይማኖትን ልዕሊ 250 ሺሕን ዝኾኑ ምእመናን ምዕዳሞም ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ብዝበፅሖም ልዑል ሕማም ሳንባ ብሕክምና ክርድኡ ፀንሖም ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ 88 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ድኻም ምዕራፎም ይዝኸር፡፡

 

 

 

Comments (0)
Add Comment