ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንሃዋሳ ከተማ 2 ን 0 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 18 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንሃዋሳ ከተማ 2 ን 0 ስዒራ፡፡ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዳማ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ንኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ኣዲስ ግደይን ሳይመን ፒተርን ነተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ኢትዮጵያ መድን ምስ ፋሲል ከነማ ክራኸባ ኢየን።
Read More...

ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ከተማ ኦስታርቫ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ተዓዊታ፡፡ ኣትሌት ፍሬወይኒ ነቲ ርሕቐት ብ8 ደቒቕ 24 ሰከንድን 17 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ፡፡ ወናኒት ከብረ ወሰን ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ፍሬወይኒ ሃይሉ፤ ኣብ ኦስታርቫ ዘመዝገበቶ…

ኣርሰናል ንማንቼስተር ሲቲ 5 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 24 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ኤምሬትስ ንማንቼስተር ሲቲ 5 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅት ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ሸቶታት መድፈዐኛታት ኦዴጋርድ ኣብ መበል 2ይ ደቒቕ፣ ፓርቴ ኣብ 56 ደቒቕ፣ ልዊስ ስኬሊ አብ 62 ደቒቕ፣ ሃቨርትዝ ኣብ 76 ደቒቕን ኢታን ንዋኔሪ ኣብ 93 ደቒቕን…

ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 18 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝገበረኦ ፀወታ ብዘይሸቶ ማዕረ ተዛዚሙ፡፡ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስና ቴክኖሎጂ ኣዳማ እናተኻየደ ዝርከብ ፀወታ ናይ ዚሰሙን እንትቕፅል፤ ሰዓት 12 ሲዳማ ቡና ምስ ስሑል ሽረ ክራኸባ ኢየን፡፡

ሊቨርፑል ሎሚ መዓልቲ ብቦርንማውዝ ክፍተን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 24 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ቦርንማውዝ ምስ ሊቨርፑል ሰዓት 12 ዝገብርርዎ ግጥም ልዑል ቀልቢ ስሒቡ ኣሎ። ቦርንማውዝ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት፥ ንማንቸስተር ሲቲ፣ ኣርሰናል፣ ቶተንሃም፣ ኒውካስልን ኖቲንግሃም ፎረስትን  ብምርታዕ ኣብቲ ሊግ ካብ ዝገበሮም 11 ተኸታተልቲ ፀወታታት…

ኣብ ምድብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ቻውሮፓ ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ተደልዲለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምድብ ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ቻውሮፓ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ምስ እንግሊዛዊት ማንቼስተር ሲቲ ተራኺበን፡፡ ምድብ ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ቻውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ፡፡ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ክልቲአን ዓበይቲ ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ኣብ ስታዲየም ኢትሃድ ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ…

ቅዱስ ጊዮርጊስ ንወላይታ ድቻ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 17 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንወላይታ ድቻ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣብዱ ሳሚዮን ኣማኑኤ ኤርቦን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንኽትዕወት ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡ እቲ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ጋንታ ቅስ…