ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊ ሽቶ ብልፅግና ንምዕዋትን ዓመታዊ ትልሚታት ንምዕዋት ትካላት ለይቲን ቀትሪን ክተግሁ ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣተሓሳሲቦም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ቐንዲ ቐንዲ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚንን ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ ዓውዲን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፌዴራል ገምጋም ምጅማሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኦም ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ገምጋም ኣብ 100 መዓልቲታት ማእኸል ጠመተ ዝኾኑ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት፣ ዝተረኸቡ ውፅኢታት፣ ዝተረኣዩ ክፍተታትን ጠመተ ዝተውሃቦም ኣንፈታትን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ብሓባር ክንርኢ ኢና ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተመልአ ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብ ትግበራ ሪፎርም ዝተፈላለዩ ዓወታት ምምዝጋቦም ገሊፆም፡፡
ኣፈፃፅማ እቲ ዓውዲ ልዑል እዩ ዝበሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ÷ እዞም ዓወታት ከም መንግስቲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚና መርኣያ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ ክፍፀሙ ዘለዎም ተግባራት ብምፍላይ ኣብቲ ዓመት ክዕወቱ ዝተትሓዙ ትልሚታት ብዝተማልአ መልክዑ ንምፍፃም ኩሎም ዝምለኸቶም ኣካላት ጠመተ ሂቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡