ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ምስ ትካል መሐብሐቢ ህፃናት ሙሉእ ፍቕርን ብርሃን ይኹን÷ ንዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 100 ህፃናትን መኣዲ ኣካፊለን፡፡
ብተወሳኺ ቀዳማዊት እመቤት ዘህነፅኦ ማእኸል ዘውዲቱ መሸሻ መዕበዩ ህፃናት ደገፍ ንዝግበረሎም ህፃናት እንዃዕ ኣብፀሐኩም ብምባል መኣዲ ምክፋለን ተገሊፁ፡፡
ምስቲ መኣዲ ምክፋል ጎናጎኒ እቶም ህፃናት፤ኣብ ወዳጅነት ኣደባባይ (ፍሬንድሽፕ ፓርክ) ብምፅዋትን ብምዝንይናይን ግዘ ምሕላፈን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡