ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኹም ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ:-
እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም፤
ትንሳኤ በዓል መስዋእቲ፣ፅንዓትን ተስፋን እዩ።
ዝበደለ ዓለም እዩ። እቲ ዝተሰውአ ግና ክርስቶስ እዩ። እቲ ዘጥፍአ ወዲ ሰብ እዩ፣እቲ ዝከሓሰ ግና ክርስቶስ እዩ። በዓል ዕዳ ወዲ ሰብ እዩ፣ከፋሊኡ ግና ክርስቶስ እዩ።
ሞት ክርስቶስ ንምድሓንን ንትምህርትን እዩ፤ ንብዙሓት ክበሃል መስዋእቲ እንተዘይተኸፊሉ ብዙሓት ምድሓን ኣይከኣልን። ሃገር፣ህዝቢ፣ወገን ምድሓን እንተተደልዩ መስዋእቲ ምኽፋል ይግባእ።
ቃል ክርስቶስ ብቃሉ ጥራሕ ኣይተዛረበን፤ ኣብ መስቀል ውዒሉ ፍቕሩ ብተግባር ገለፀ እምበር። ባዕሉ መተዓረቒ፣ ባዕሉ ተዓራቒ፣ባዕሉ እውን መስዋእቲ ኮይኑ።
ሎሚ ኢትዮጵያ ዝፈቱ ኩሉ መስዋእቲ ንምዃን ዝተዳለወ ክኸውን ኣለዎ። ብናይ ካልኦት መስዋእቲ ምጉዓዝ ናይ ኦሪት ሰባት ገይሮሞ እዮም። ሓደ ሺሕ ኣባጊዕን ሓደ ሺሕ ኣጣልን ሰዊኦም ነይሮም እዮም ኣይኮነን እምበር። ሃገር ምድሓን ዝከኣል ካልኦት ብምስዋእ ኣይኮነን፤ ባዕልኻ ብምስዋእ፣ናይ ባዕልኻ ጉልበት፣ግዜን ፍልጠትን ብምስዋእ፣ናይ ባዕልኻ ክብርን ኣነነትን ብምስዋእ እምበር።
ሃገር ንምድሓን ንትሕትና፣ዕርቅን ምኽክርን መስቀል ኣውሪድካ ዓርስኻ ምስዋእ የድሊ። መስቀል መከራ እዩ፤ ፀርፊ እዩ፣ግርፋት እዩ፣ውርደት እዩ። ዓርስና ንመንገዲ ሰላምን ዕርቅን እንትነዳልው ካብ ብዙሓት ፀርፊ፣ መርገም፣መከራ እዩ ዝፅበየና።
እቲ ዘዋፅአና ግና ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ መስቀል ኢትዮጵያ ምሽካም እዩ። ንትንሳኤ ኢትዮጵያ ኢልና እቲ መስቀል ምሽካም። ትንሳኤ ድሕሪ ፅንዓት ዝርከብ ዓወት እዩ። ኣብ ቅድሚት ጅምላ ፍርዲ ኣለዎ፣ውግዘት ኣለዎ፣መግረፍቲ ኣለዎ፣ዕርቃን ኣለዎ፣ክሕደት ኣለዎ፣ምፅልማት ፀሓይ ኣለዎ፣ምልባስ ደም ወርሒ፣ምርጋፍ ኮዋኽብቲ እውን ኣለዎ።
ኣብዚ ኹሉ ግና ኣብ ቅድሚ ቀተልቱ ሱቕ ከምዝብል በጊዕ ክርስቶስ ብፅንዓት ጠጠው በለ። ምእንተ ዕላማ ኢሉ መከራ ተፃዊሩ፣ምእንተ ወዲ ሰብ ኢሉ ኩሉ እናኽኣለ ብፅንዓት ተጉዓዘ።
ሃገር ፅንዓት ትደሊ እያ። ኣብ ቅድሚ መከራታትን ውግዘትን ብፅንዓት ጠጠው ምባል፣ ኣብ ቅድሚ ፀርፍን ንዕቐትን ብጽንዓት ጠጠው ምባል፣ ከም ፀሓይ ዝረኣዩ ልሂቃን እንትትጠፍኡ፣ከም ከዋኽብቲ ዝረኣዩ ክቡራት እንትረግፉ ብፅንዓት ጠጠው ምባል፣ ሓቢሮም ዝነበሩ ፈሪሖምን ተሸይጦምን እንትክሕዱ ብፅንዓት ጠጠው ምባል እያ ሃገር ትደሊ። በቶም ዝፀንዑ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ቀረባ ጥራሕ ኣይኮነን። ዝረኣ እውን እዩ።
ትንሳኤ ተስፋ እዩ። እቲ ፈተና ከምዝሓልፍ ተስፋ ይህብ። ዓርቢ ንዝረኣየ ሰንበት ዝመፅእ ኣይመስልን ኔሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ እምኒ መቓብር ዝለዓል ኣይመስልን ኔሩ። እቲ ማህተም ንዝረኣየ ዝፍታሕ ኣይመስልን ኔሩ። እቲ ፀልማት ንዝረኣየ ብርሃን ርሑቕ ይመስል ኔሩ። ኩሉ ግና ተገልቢጡ። እቲ ታሪኽ ጎይታ እቲ ታሪኽ ቀይርዎ።
ተስፋና ኣብ ኢድና እዩ። ኣብ ዓርቢ ኮይንና ሰንበት ንሪኣ። ካብ ሞት ብተወሳኺ ሂወት፣ካብ መቓብር ሓሊፍና እውን ትንሳኤ እንርኢ ኢና። ዝጭበጥ ሕልሚ ዝፀረየ ምናብ ኣለና። ስለዝኾነ እውን ወጀብን ኣውሎ ንፋስን ኣግራሞት ኣይፈጥረልናን። ሎሚ ንፅባሕ፣ሞት ንትንሳኤ ቦታ ከምዝለቁ እንፈልጥን እንኣምንን ኢና።
ንትንሳኤ ኢትዮጵያ ዝተግሁ ብዙሓት እዮም። እዋን ሕማማት እናሓለፈ እዩ። ሕዚ ኣብ ምሸታ ምሸት ዓርቢ ኢና ዘለና።
ድሕሪ እቲ መዓልቲ ፅምዋ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ክመፅእ እዩ። ካብቶም ዝኸዱ እቶም ብዙሓት ክምለሱ እዮም። ካብቶም ዝተሰሓሓቱ ብዙሓት ከስተውዕሉ እዮም። ዓርቢ ብከንቱ ዘእወዩ ብዙሓት ይሓፍሩ። ፈረድቲ ይናስሑ። ክኣብዩ ዝፀንሑ ይብተኑ። ሓለውቲ መቓብር ይድንግፁ። ኢትዮጵያ ግና ብዘይተርፍ ትንሳኤ ክትለዓል እያ። እቲ ትንሳኤ ካብ እስራኤል ንዓለም ከምዝተገለፀ፤ ኢትዮጵያ እውን ንዓለም ጋህዲ ክትኸውን እያ።
በዓል ትንሳኤ ዘምህረና እዚ እዩ።
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
11 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም