ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቬይትናም ፋም ሚን ቺን ተዛቲዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ÷ “ቀዳማይ ሚኒስትር ቬይትናም ክቡር ፋም ሚን ቺን ኣብ ዕላዊ ዑደትና ንዝገበሩልና ድሙቕ ኣቀባብላን ናይ ክብሪ እንግዶትን የመስግን” ኢሎም።
ኢትዮጵያን ቬይትናምን ዘመሳስሉወን ብዙሓት ሓበራዊ ጉዳያት ኣለዉ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ክልቲአን ሃገራት ልዑልን ንስራሕ ተበግሶ ዘለዎን መንእሰይ ህዝቢ ዘለወን፣ ንልምዓትን ዕቤትን ቆሪፀን ዝተበገሳ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ታሪኸን ብፅንዓት ዝፍለጣ ሃገራት ከምዝኾና ገሊፆም።
ብንቑሕ ተሳትፎ ዝግለፅን ዕምቆት ዝነበሮን ልዝብ ከምዝገበሩ ብምግላፅ፤ ንሓራዊ ዕቤትን ምትሕብባርን ዘሎ ፅኑዕ ሓበራዊ ተበግሶ ከምዝተንፀባረቐ እውን ኣመልኪቶም።
“ዝገበርናዮ ልውውጥ ሓሳብ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንጥንኩር ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር በሪ ከፊቱ ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፋም ሚን ቺን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ሓበራዊ ራኢና ብዝበለፀ እነጠናኽረሉን ኣብ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ክልተኣዊ ርክብና ብዝበለፀ እነጠንክረሉን ክኸውን ኢዩ” ክብሉ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።