ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 ዓ ም(ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ዒድ ኣል ፈጥር” ፆመ ረመዳን መዛዘሚ በዓል ኢዩ ኢሎም።
ዒድ ኣል ፈጥር “ናይ ምስጋና፣ ሰናይ ተግባርን ሕውነትን በዓል” ኢዩ እውን ኢሎም።
ዒድ ኣል ፈጥር ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ፆም ዝመፅእ በዓል ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ፆም ናይ ሰብ ድኻም፣ ምንኣስ ዓቕሚን ልክዕን ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ፈጣሪ እንተዘይደጊፍዎ ዓቕሚ ወዲ ሰብ ውሱን ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ እውን ኢሎም።
ሎሚ ኣብ ሃገርና እንርእዮ ዘለና ፈተና ብቐንዱ ንባዕልኻ ካብዘይ ምግዛእ ዝመፅእ ፈተና ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ንባዕሉ ዘይገዝእ ሰብ ዓቕሙ ኣይፈልጦን፤ ናብ ውሽጡ እውን ኣይርእን ኢሎም።
ስለዚ ከም ረመዳን ዝበሉ እዋናት ውሽጥኻ ንምርኣይ ዝጠቕሙ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
መዛዘሚ እቲ ፆም ዝኾነ ዒድ ኣል ፈጥር ናይ ምስጋና በዓል ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ፆም ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ማሕበረሰብ ንባዕልኻ ፈሊጥካ ንምእካብ ዝጠቅም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ሃገራዊ ዘተ ካብ ስምዒት ዝወፅአ፣ ስኽነትን ንባዕልኻምፍላጥን ዝተላበሰ እንተኾይኑ ይጠቅም ኢዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።
ኣብ መንጎ እምነታት፣ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ማሕበረሰብን ልሂቃንን ዝሓሸ ሓድነት ዝፍጠር ሕውነት ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።