ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ጄነራል ትካል ምግቢን ሕርሻን ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንፋኦ) ኩ ዶንግዩን ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፤ ዳይሬክተር ጄነራል ኩ ዶንግዩን ዳግም ምርካቦም ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩን ገሊፆም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ “ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ዘላቕነትን ኣብቲ ዓውዲ ዘድሊ ፅንዓትን ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕ ዘለዎ ኣድላይነት ብምዝኽኻር ናይ ኢትዮጵያ ቀፀልቲ ፃዕሪታት ስራሕቲ ሕርሻ ተመልኪትና” ኢሎም።