ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ሱዳንኣኹሉ መዳይ እትገብሮ ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።
ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ሱዳን ዝዝቲ ጉባኤ መራሕቲ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ፣ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ ቅልውላው ሱዳን ጠጠው ንምባል ብፍላይ ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንሱዳናውያን ክበፅሕን ንምኽኣል ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)÷ “ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮናስ ጥንኩር ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ኢየን” ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ክትከውን ኢያ፤ ብዘለዋ ዓቕሚ እትገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝኸውን 15 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ለጊሳ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ከምኡ እውን ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን ንሰላማዊ መፍትሒ ንኽስለፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ግደኣ ተወሳኺ 200 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ሂባ።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋእን ንኽመፅእ እናገበሩዎ ንዝርከቡ ፃዕሪ ኣመስጊኖም።
ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፣ አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፣ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ሼኽ ሻክቡት ቢን ናህያን ኣልናህያንን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር)ን ሓዊሱ ካልኦት ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ተሳቲፎም።
ብምስክር ስናፍቅ