ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝተዋደደ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ውፅኢታዊ ንምግባር ዘኽእል ቅልጡፍ ፕሮጀክት ጂኦፊዚካል መፅናዕቲ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪ ዕላዊ ኮይኑ፡፡
ን5 ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ፕሮጀክት ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ምስ መንግስቲ ዴንማርክ ብምትሕብባር ዕላዊ እዩ ኾይኑ፡፡
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብቲ እዋን÷ እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ዘለዋ መጠን ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪ፣ ፅሬትን ኣቀማምጣን ሓዊሱ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ዘርኢ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትረፕ ብግዲኦም÷እቲ ፕሮጀክት ዝተዋደደ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ለውጢ ክሊማን ዝድግፍ ምዃኑ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡