ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ሆሳእና ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።
እቲ በዓል ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተኸቢሩ።
ሆሳእና ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ዓቢዪ ፆም ሓደን ናይ መወዳእታን ሰሙን ተባሂላ ትፅዋዕ እንትትከውን÷ መእተዊት ሰሙነ ሕማማት እውን ኢያ።
ብተመሳሳሊ በዓል ሆሳእና ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልደታ ማሪያም ካቶሊክ ካቴድራል ብድምቀት ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌል፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ተኸተልቲ እቲ እምነን ተረኺቦም።