ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝተፈላለዩ ክልላት ፅባሕ ዝኽበር በዓል ትንሳኤ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብ ትንሳኤ ፈተና ብፅንዓት ምስጋር፤ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምቕያር ከምዝኸኣል ንርዳእ ኢሎም፡፡
ሎሚ ዘጋጠሙና ፀገማት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘይሳገሩ፣ ዝሕለፉን ዝፍትሑን እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣረጋ ፈተናታት ናብ ዕድል ንምቕያር ሰላም ህዝብና ምፅናዕን ንልምዓት ክነቀላጥፍ ኣለና ክብሉ ገሊፆም፡፡
ብተመሳሳሊ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ጋትሉዋክ ሮን (ዶ/ር) ኣብ መልእኽቶም፤ ህዝበ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ እንተኽብር ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ብምድጋፍን ከብዕሉ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡