ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ ፊቼ ጨምበላላ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ጉዱማሌ ይኽበር ኣሎ።
ተወለድቲ ሲዳማ ካብ ንግሆ ጀሚሮም ባህላዊ ደርፍታት እናዘመሩ ናብቲ መኽበሪ ቦታ እናተጉዓዙ ይርከቡ፡፡
ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል ፊቼ ጨምበላላ ብድሙቕ ኩነታት ቀፂሉ ኣሎ።
ኣብቲ በዓል÷ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ደስታ ሌዳሞ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ተወለድቲ እቲ ብሄርን ተረኺቦም፡፡
ብርሃኑ በጋሻውን ታመነ ኣረጋን