ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ፊቼ ጫምባላላ ናይ ሰላም፣ ሓድነትን ሕብረትን በዓል ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።
ድሮ በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ ፊቼ ጫምባላላ “ፊጣሪ ሃዋሮ” ብምባል ናይ ዝፍለጥ ክብረ በዓል ኣፈ ጉባኤ እቲ ክልል ፋንታዬ ከበደን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይኽበር ኣሎ።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ፊቼ ጫምባላላ ናይ ሰላም፣ ሓድነትን ሕብረትን በዓል ኢዩ ኢሎም።
ክብሩ ሓሊዮም ዘፅንሑ ኣቦታት ዘለዎም ፍልጠት ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺሮም።
ብብርሃኑ በጋሻው