ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣሰራርሑኡ ከመሓይሽ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣሰራርሑኡ ከመሓይሽ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ቁፅፅርን ምሕደራን ወፃኢ መንግስቲ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ÷ ኣብ ስርዓት ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ኣወሃህባን ኣጠቓቕማን ልቓሕ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጠሚቱ ምስ ኦዲተራት ፌደራል፣ ወሃብቲ መረዳእታ ባንኪ ልምዓትን መዳርግቲ ኣካላትን ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ ጄኔራል ኦዲተር ፌዴራል ኣብ በጀት ዓመት 2015/16 ዘካየዶ ርካብ ኦዲት መበገሲ ብምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ የሽመቤት ደምሴ (ዶ/ር)÷ ኣብ 2014 ፖሊሲ እቲ ዓውዲ ይመሓየሽ እምበር፣ እቲ ባንኪ ልምዓት መፈፀሚ መምርሒ ፖሊሲ ዘይብሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ፖሊሲ መሰረት ዝገበረ መምርሒ ክሳብ 30 ለካቲት ፀዲቑ ናብ ስራሕ ክኣቱ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ባንኪ መንነት ተለቃሕቲ ምስ እቶትን ካልኤት መሓዙት ኣካላትን ብምትሕብባር ምርከረጋግፅ ከምዝግበኦ ኣብሪሀን።

 

Comments (0)
Add Comment