ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ስርዓት ክፍሊት ማስተር ካርድ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ  ትካል ማስተር ካርድ ብምትሕብባር ስርዓት ክፍሊት ማስተር ካርድ ኣጀሚሩ፡፡

እቲ ባንኪ ዘጀመሮ ስርዓት ክፍሊት ማስተር ካርድ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ክፍሊት ዲጂታል ንምምሕያሽ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

እቲ ስምምዕነት ዓለም ለኸ ዕድጊት ንምፍፃም ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ቕድሚ ሕዚ ምስ ማስተር ካርድ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ብምትሕብባር ክሰርሕ ምፅንሑ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡

እቲ ማስተር ካርድ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖን ፕሬዚዳንት ማስተር ካርድ ኣፍሪካ ማርክ ኢሊዮት ብሓባር ኣጀሚሮምዎ፡፡

ብየሻምበል ምሕረት

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment